ኣብ ዳህሳስና ዘለኩም ተገዳስነት ነመስግን።!
ናትኩም መልስታት ተመራመርቲ እንታይ ጽቡቕ ከም ዝነበረን ጸገማት ኣበይ ከም ዝነበሩን ንኽፈልጡ ይሕግዙ። እዚ ፍልጠት’ዚ ነቶም ዕቑበኛታት ናይ ቅበላ መደባት ንምምሕያሽን ኣብ ጀርመን ንዝግበር ውህደት ዝበለጸ ደገፍን ይሕግዝ። ዩኒቨርሲቲ ቢለፈልድን ማእኸል ምርምር ፌደራል ቤት ፅሕፈት ስደትን ስደተኛታትን ሳይንሳዊ መፅናዕቲ የካይዱ ኣለው። ብናይ ዳግመ-ምጥያስን ሰብኣዊ ምቕባልን መደባት ናብ ጀርመን ኣብ ዝመጹ ሰባት ዳህሳስ ንገብር ኣለና። እቲ ዳህሳስ ንዓና ወኪሉ ብ Ipsos GmbH ናይ መጽናዕቲ ትካል ዝካየድ እዩ።
እቲ መጽናዕቲ ብዛዕባ ህይወት ናይቶም በዞም መደባት ናብ ጀርመን ዝመጹ ሰባት ዝምልከት ሕቶታት ዘጠቓልል እዩ። ብመደባት ቅበላ ኣቢልኩም ናብ ጀርመን ናይ ዝመጻኹም ናትኩምን ኻልኦት ሰባትን ኩነታት መነባብሮ እንታይ ከም ዝመስል ክንፈልጥ ንደሊ። ብዛዕባ እቲ መደብ ቅበላ እንታይ ከም ዝሓሰብኩም ክንምርምር ንደሊ። በዚ ዳህሳስ ኣቢልና ነቲ መደብ ንምምሕያሽ ዕላማ ኣለና። ስለዚ ኣብዚ ዳህሳስ ክትሳተፉ ብትሕትና ንሓትት።
ኣርእስትታት ገለ ሕቶታት ስምዒት ተንከፍቲ እዮም። ንኣብነት ብዛዕባ ኣብ ህይወትኩም ዘጋጥሙ ጸገማት፣ ማሕበራዊ ርክባት፣ ጥዕናኹም፣ ዕግበት ህይወትኩም፣ ኣድልዎን ናይ ውሕስነት ስምዒትኩምን እዩ። እንተደሊኹም „ክምልስ ኣይኽእልን/ኣይክምልስን እየ“ ዝብል ክትመርጽ ትኽእሉ ኢኹም፡ ዕረፍቲ ክትወስዱ ወይ ድማ ኣብ ዝዀነ እዋን ነቲ መጽናዕቲ ክትስሕቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዳህሳስ ምስ በጻሕኩም፣ €15 ብፖስታ ክንሰደልኩም ኢና።
ኣብ መወዳእታ እቲ ዳህሳስ፣ ነቲ ዳህሳስ ናብ ካልኦት ሰባት ክትሰድዶ ትኽእል ኢኻ።
እዚ ዳህሳስ ፈተና ኣይኮነን። ቅኑዕን ጌጋን ዝበሃል መልሲ የለን። ውልቃዊ ርእይቶኻ ጥራይ እዩ ኣገዳሲ!
ኣዋጅ ሓለዋ መረዳእታን ፍጹም ምስጢራዊነት ዝርዝራትኩምን፥ Datenschutzhinweise.
ዝዀነ ሕቶ ወይ ድማ ጽገማት እንተሃልዩኩም፣ በጃኹም ብ DE-Resettlement2025@ipsos.com ተራኸቡ።
