ኣብ ዳህሳስና ዘለኩም ተገዳስነት ነመስግን።!

ዩኒቨርሲቲ ቢለፈልድን ማእኸል ምርምር ፌደራል ቤት ፅሕፈት ስደትን ስደተኛታትን ሳይንሳዊ መፅናዕቲ የካይዱ ኣለው። ብናይ ዳግመ-ምጥያስን ሰብኣዊ ምቕባልን መደባት ናብ ጀርመን ኣብ ዝመጹ ሰባት ዳህሳስ ንገብር ኣለና። እቲ ዳህሳስ ንዓና ወኪሉ ብ Ipsos GmbH ናይ መጽናዕቲ ትካል ዝካየድ እዩ።

እቲ መጽናዕቲ ብዛዕባ ህይወት ናይቶም በዞም መደባት ናብ ጀርመን ዝመጹ ሰባት ዝምልከት ሕቶታት ዘጠቓልል እዩ። ኣብ ጀርመን ከመይ ከምዘለኹም ክንፈልጥ ንደሊ። በዚ ዳህሳስ ኣቢልና ነቲ መደብ ንምምሕያሽ ዕላማ ኣለና። ስለዚ ኣብዚ ዳህሳስ ክትሳተፉ ብትሕትና ንሓትት።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዳህሳስ ምስ በጻሕኩም፣ €10 ብፖስታ ክንሰደልኩም ኢና።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዳህሳስ፣ ነቲ ዳህሳስ ናብ ካልኦት ሰባት ክትሰድዶ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዳህሳስ ፈተና ኣይኮነን። ቅኑዕን ጌጋን ዝበሃል መልሲ የለን። ውልቃዊ ርእይቶኻ ጥራይ እዩ ኣገዳሲ!

ኣዋጅ ሓለዋ መረዳእታን ፍጹም ምስጢራዊነት ዝርዝራትኩምን፥ Datenschutzhinweise.

ዝዀነ ሕቶ ወይ ድማ ጽገማት እንተሃልዩኩም፣ በጃኹም ብ DE-Resettlement2025@ipsos.com ተራኸቡ።